Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017...

24
ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን ከባቢኣን 1277 St. Clair Ave W. Toronto, On, M6E 1B8 ቴሌፎን 416 - 653 - 2847 647-991-7065 [email protected] ሚያዝያ 2017 8ዓመት . 1 $2.00 ትሕዝቶ መጽሔት ቃል ካህን 2 ቅዱስ ያሬድ ማኅሌታይ 3 ስፖንሰርሺፕ (ውሕስነት) 4 ሕማም ወቕI (ስትሮክ) 5 Sponsorship 6 ሰበኻ ሰገነይቲ 7 ንዘራረብ 8 ፍጻሜታት 12 What is my value 18 መደባት ቤተክርስትያን 19 ኣገዳሲ ሰሚናር ሰንበት ሚያዝያ (April) 30, 2017 ድሕሪ ቅዳሴ ሰዓት 2:00—4:00 EEምሮን ናብራ ስደትን ብናይ ስነ Eምሮ Iኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር። ኩሉ ዝግደስ ክካፈል Eድም። Seminar on Mental Health issue and Resettlement needs By Mr. Yohannes Ferdinando Drar. April Sunday, 30, 2017 after Mass 2:00—4:00 PM. All are invited Place: St Nicholas Di Bari Catholic Church 1277 St. Clair Ave. W. Toronto. (West of Dufferin) ርሑስ በዓል ትንሣኤ ይግበረልና !!!

Transcript of Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017...

Page 1: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

ከባቢኣን 1277 St. Clair Ave W. Toronto, On,

M6E 1B8 ቴሌፎን

416 - 653 - 2847 647-991-7065

[email protected] ሚያዝያ 2017

8ይ ዓመት ቁ. 1 $2.00

ትሕዝቶ መጽሔት

ቃል ካህን 2 ቅዱስ ያሬድ ማኅሌታይ 3 ስፖንሰርሺፕ (ውሕስነት) 4 ሕማም ወቕI (ስትሮክ) 5 Sponsorship 6 ሰበኻ ሰገነይቲ 7 ንዘራረብ 8 ፍጻሜታት 12 What is my value 18 መደባት ቤተክርስትያን 19

ኣገዳሲ ሰሚናር ሰንበት ሚያዝያ (April) 30, 2017 ድሕሪ ቅዳሴ ሰዓት 2:00—4:00 ጥEና ኣEምሮን ናብራ ስደትን ብናይ ስነ ኣEምሮ ኪIላ ኣቶ ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር። ኩሉ ዝግደስ ክካፈል ንEድም። Seminar on Mental Health issue and Resettlement needs By Mr. Yohannes Ferdinando Drar. April Sunday, 30, 2017 after Mass 2:00—4:00 PM.

All are invited Place: St Nicholas Di Bari Catholic Church

1277 St. Clair Ave. W. Toronto. (West of Dufferin)

ርሑስ በዓል ትንሣኤ ይግበረልና !!!

Page 2: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

2 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ቃል ካህን

ርሑስ በዓል ትንሣኤ ይግበረልና !!!

ኣብዚ ንክርስቶስ መምህርና Eናሰዓብና ከምቲ ንሱ ዘምሀረና ኣብነቱ ብምስዓብ ንነፍስና ድኅነት ዝኾነና ጽቡቅ ተግባራት ክንፍጽም ጊዜ ጾመ ኣርብዓ ይሓተና። ኣብ Oሪት Eግዚኣብሔር ንንስሓ ክጽውE ከሎ ብኩለንተናና ክንነጽሕ ይደልየና። "Eምበኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቁዝማን ብምሉE ልብኹም ናባይ ተመለሱ። ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ... ካብ ኪቀጽE: ኪርኅርኅን ኪምሕርን Eዩ ዚፈቱ Eሞ ናብ Eግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ተመለሱ። Eቶም ካህናት ኣገልገልቲ Eግዚኣብሔር ኣብ መንጎ ኣፍ ደገ ቤት መቅደስን መሠውEን ኮይኖም: "O Eግዚኣብሔር ንሕዝብኻ ንሓፎ: ንርስትኻ: ኣሕዛብ ኪገዝEዎ ኣኅሊፍካ ኣይትሃቦ ... Iሎም Eናጸለዩ ይብከዩ" (Iዩኤል 2:12-18) Eናበለ ተነሲሕና ክንቀርቦ ይሓተና። ቅዱስ ጳውሎስ Eውን: “ብመንፈስ Eንተተመራሕኩም ግና ሕጊ ንምፍጻም ግዱዳት ኣይኮንኩምን: ግብሪ ስጋ ግሁድ Eዩ... ርኽሰት፣ ጽልI፣ ባEሲ፣ ቅንI፣ ገዛE ርEስኻ ምፍታው፣ ምፍልላይ..Eዩ። ነዚ ኣርሒቅና ናይ ዝተንሥኤ ክርስቶስ ተስፋ ተሓንጊጥና ብመንፈስ ንንበር። ፍረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ፍቅሪ፣ ሓጎስ፣ ሰላም...Eንክኸውን: ነዚ ከምዚ ዘኣመሰለ ዚፃረሮ ሕጊ የልቦን” (ገላ 5:18,19,22,23,24,26 ረኤ)። Eዚ ኩሉ ትምህርቲ ንክርስቶስ ምEማን የብጽሓና ከምቲ ንሱ ዝብሎ ከኣ "Eቲ ንቃለይ ዚሰምE በቲ ዝለኣኸኒውን ዚኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ" በዚ ምኽኒያት ከኣ ምስ ክርስቶስ ምትንሣE ኣየጸግሞን። ምኽንያቱ ክርስቶስ ባEሉ: "ትንሣኤን ሕይወትን ኣነ Eየ። Eቲ ብኣይ ዝኣምንሲ Eንተ ሞተ Eኻ ብሕይወት ኪነብር Eዩ"። ስለዚ ኩላትና ክርስቲያን ብትንሣኤ ክርስቶስ Eንኣምን: ምንጪ Eምነትና ትንሣኤ ክርስቶስ ንዝኾነ: በዚ ብርሃኑ ተመሪሕና ንድሕነትና ክንጽEር መጠኑ ከኣ ባEሉ ክርስቶስ ኣብ ብርሃን ትንሣኤU ከካፍለና ምኻኑ ዘጠራጥር የብልናን። ማርያም መግደላዊት Eቲ መቃብር ጥርሑ ምስ ጸንሓ ጎያ ንሓዋርያት “ክርስቶስ ተንሢU” Eዩ Eላ ኣበሰረቶም። ብሓቂ ከኣ ክርስቶስ ተንሢU Eዩ። Eዚ ዓቢ ብሥራት Eቲ ክርስቶስ ዘምጽኣልና ጽቡቅ ዜና Eዩ። Eዚ ነቲ ክርስቶስ ዘምጽO Eምነትን ተስፋን ዘበስር Eዩ። ብሓቂ Eቲ ተስፋ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምዃኑ ንኣምን። ክርስቶስ ብትንሣኤU ይብጽሓና: ብርሃኑ: ፍቅሩ ሰላሙ ይዓድለና።

ብሩኽ ትንሣኤ ይግበረልና።

* * * ቅድስቲ ስድራ ኣብነት ናይ ዘመንና ስድራቤት

ኣቦታት ክንምስሉ ከምዚ ዝስEብ ይብሉ፡ “ከመይ Iልኪ ነዚ ሓዳር በተንክዮ፧ ኣEበድቢደ። ከመይ Iልኪ’ኸ ኣድሓንክዮ፧ ኣባቢደ።” ይብሉ። Eወ፡ ስድራቤታት ወይ ኪዳን ብኸመይ ይዝረግ፡ ብኸመይ’ከ ይEረ Eንተበልና ዝኣባብድ – ልቢ ዘEበየ፡ ኣርሒቑ ዝርI፡ ረብሐ ስድራቤት ዝፈልጥ። ከመይ ወንጌል “በትEግሥትክሙ ታጠርይዋ ለነፍስክሙ” Iዩ ዝብል። ስለዚ ከኒና ወይ መርፍE ወይ መድኃኒት ናይታ Eውቲ ሥድራቤት ንፈልጦ Iና። Eቲ ጸገምስ ነቲ መድኃኒት ኣብ ጊዜU ዘይምውሳድ Iዩ። ነቲ ጠንቅታት ዘይምልጋስ Iዩ። ካብቲ ፈተናታት ዘይምርሓቕ Iዩ፡ Iታብኣነ EግዚO ውስተ መንሱት ዘይምባል Iዩ። ኣባ ሓጎስ ተወልደ

Page 3: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

3 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ስደተኛታት ኣብ ብዙሕ ኩርናዓት ናይ ዓለም ብብዝሒ ክረኣዩ ምስ ጀመሩ (ብፍላይ ናይ ቬትናም)፣ መንግሥቲ ካናዳ ስደተኛታት ምምጻE ኣብ መንግሥቲ ጥራይ ተወሲኑ ከይተርፍ፣ ብ1978 ዓ.ም. ምምጻE ስደተኛታት ብብሕታውያን ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ክኸውን ኣፍቂዱ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ስደተኛታት በዘን ኣርባEተ ዝስEባ መንገድታት ክመጹ ይኽEሉ። 1. መንግሥቲ ናይ ሓደ ዓመት ምሉE ሓላፍነት ወሲዱ

ምስ UNHCR ተሰማማሚU ካብ መEቆቢ ስደተኛታት ዘምጽOም;

2. ስደተኛታት ከምጽኣ ምስ መንግሥቲ ስምምE ዝገብራ ማሕበራት Sponsorship Agreement Holders (SAH)

3. ጉጅለ 5 (Group of 5) 4 ናይ ትካላት ስፖንሰርሺፕ (Community sponsor-

ship) ናይ ጉጅለ 5 ን ናይ ኮሙኒቲ ስፖንሰርን ንክትገብር፣ Eቲ ስደተኛ ካብ (UNHCR) ወይ ድማ ካብታ ዝቕመጠላ ሃገር ሰደተኛ ምዃኑ ዘረጋግጽ ወረቐት መንነት ክህልዎ ይግባE። ኣብ Iትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ዩጋንዳ ዘለዉ ስደተኛታት Eቲ ወረቀት መንነት ይወሃቦም Iዩ። ኣብ Eስራኤል ዘለዉ ግን የብሎምን። ኣብ ግብጺ ዘለዉ ሰደተኛታት ከኣ (Blue card) ካርድ የብሎምን። Eዚ ንክረኽቡ ክልተ ዓመታት የድልዮም። ናይ 2017 ስፖንሰርሺፕ መንግሥቲ ካናዳ ነዚኤን ካብ 100 ንላEሊ ዝኾና ስደተኛታት ዝወሓሳ (SAH) ማሕበራት፣ ን7500 ስደተኛታት ናይ ብሕቲ ስፖንሰርሺፕ ክገብራ ኣፍቂዱለን። ብዙሓት ካብዚኤን ማሕበራት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝጽበዩ ዝነበሩ ስደተኛታት ስለዝነበሩወን ብዙሕ ሓዲሽ Eድላት ክወሃብ ኣይተኻEለን። ብናይ ጉጅለ 5 (group of 5) ግን ገደብ ስለ ዘይብሉ ዓቕሚ ዘለዎ ኩሉ ክገብር ይኽEል። ንስፖንሰር ኣድለይቲ ዝኾኑ ነጥብታት፣ 1. ቤት ጽሕፈት ስፖንሰር ስደተኛታት ሚያዝያ (April)

1, 2017 ጀሚሩ ቤት ጽሕፈቱ ካብ ዊኒፔግ ናብ Oታዋ ቀይሩ ኣሎ። ናብዚ ሓዲሽ ኣድራሻ ክለኣኽ ኣለዎ።

2. (sub cap) ዝብሃል ዝነበረ ማለት ንግብጺ፣ ኬንያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ Iስታንቡል ዝወሃብ ዝነበረ ተሪፉ፣ ማሕበራት ንዝተዋህበን ዓቐን ወይ ቁጽሪ ካብ ዝደለየO ዓዲ ስደተኛታት ከምጽኣ ይኽEላ። ናይ Eስራኤል፣ ግብጺ ….ወዘተ ምባል ተሪፉ Iዩ።

3. ቅጥEታት ናይ ጉጅለ 5 ኮምፒዩተር ናይ ምጥቃም ዓቕሚ ንዘለዎ ሰብ ብIመይል ክስደድ ይኽEል።

4. ኣብ ናይ ጉጅለ 5 ቅጥEታት ናይ ሓሙሽቲOም ተዋሓስቲ Iመይል ክጸሓፍ ኣለዎ።

5. (cost table) ንትወሓሶ ስደተኛ ዘድሊ ዓቐን ገንዘብ ኣብ (settlement) ዝርከብ ዝርዝር ካብ ግንቦት (May) 1, 2017 ጀሚሩ ይቕየር ኣሎ።

6. ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ስደተኛታት 19 ዓመት EድሚU Eንተለዎ፣ ናይ በይኑ ቅጥI (ፎርም) ክመልE ኣለዎ። ኣብ ቀረባ ጊዜ Eዚ ኣብ ናይ ቀደሙ ኪምለስ ተስፋ ኣሎ።

ኣብ ርEሲ’ዚ ኣብ ላEሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሓደ ሓደ ጠቓሚ ሓበሬታ 1. ከም ጌጋ ሓበሬታ ዝውሰድ፣ ኣብ ጉጅለ 5 ናይቲ

ግጀለ መራሒ ከም ሓላፍነት ናይ ስፖንሰር ዝወስድ ገይሮም ዝወስድዎ ኣለዉ። ሓላፍነት ናይ ሓሙሽቲOም ሓደ Iዩ። መራሕ ጉጅለ ጥራይ ንርክባትን Iመይል ምምላሽን Iዩ ስራሑ። ስለዚ ኣታዊ ደመወዝ በዘየገድስ፣ ዝኾነ መራሒ ጉጅለ ክኸውን ይኽEል Iዩ።

2. ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ቶሮንቶ ስፖንሰር ኣትገብርን Iያ። ስፖንሰር ዝገብሩ ኣብ ቶሮንቶ ዝርከቡ ናይ ካቶሊክ ማሕበር Office for Refugees of the Archdiocese of Toronto (ORAT) Oራት ዝብሃሉ Iዮም። Eዚ ማሕበር መን ምዃንካ ብዘየገድስ ካብ ሓንቲ Eተን ኣብዚ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያን፣ ኣፈሪምካ ምጻE ይብሉኻ። ናይ ኪዳነምሕረት ቤተክርስትያን ከኣ ብዛEባ ኤርትራውያን ስደተኛታት ስለ ትግደስ ዋሕስ ኮይና ትፍርመልካ ማለት Iዩ። Eዚ ከኣ Oራት ሕራይ ስፖንሰር ክንገብረልካ ምስ በሉኻ ጥራይ Eዩ።

ስለዚ ስፖንሰር ዝገብሩ Oራት Iዮም Eምበር ቤተክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ኣይኮነትን።

ስፖንሶርሺፕ ወይ ደገፍ ሰደተኛታት ኣብ ካናዳ (ብባህልቢ ተኽለ)

* * *

Page 4: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

4 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ናይ ቀዳሞት ኣበው ቤተክርስትያን መንፈሳዊ ውርሻ (ብዘርኣይ ተኽለማርያም)

ቅዱስ ያሬድ ማኅሌታይን ሓድገታት ውርሻUን

‘Aልቦ Eምቅድሜሁ ወAልቦ Eምድኅሬሁ ማኅሌታይ ሰብE ዘከማሁ’ ብድኅሬኻ ኮነ ብቅድሜኻ ከማኻ ዝበለ ማኅሌታይ ኣይተፈጥረን ክብሉ ዝውድስዎ ቅ. ያሬድ ማኅሌታይ፦ ብሓቂ ከምU ዝበለ ማኅሌታይ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈጥረ Aበው ሥርዓተ ግEዝ ሃገርና ብተደጋጋሚ የዘንትዉ።

ቅዱስ ያሬድ ማኅሌታይ ዝተወልደሉ Eለት ካብ ጸሓፍቲ ናብ ጸሓፍቲ ዝተፈላለየ’ኳ Eንተዀነ፦ ኣብ ዘመን ሃፀይ ገብረመስቀል ኣብ ሞንጎ 505ን 515 ዓ.ም. ካብ ኣቦU ኣብድዩን (ይስሓቅ) ካብ ኣዲU ክርስቲናን (ታውክልያ) ኣብ ኣክሱም ተወልደ። ቅ. ያሬድ ኣብ 7 ዓመት EድምU ኣቦU ሞተ። ኣደU ክርስቲና ከኣ ንናይ ኣክሱም ገበዝ ዝነበረ ኣኮU ጌዴዎን ከEብዮን ከምህሮን ሓደራ ቢላ ሃበቶ። ቅዱስ ያሬድ መዝሙር ዳዊት ኣብ ዝመሃረU ዝነበረ ምርዳE ኣብይዎ ተስፋ ቖረጸ። ኣኮU ጊዴዎን በዚ ተዓሳIሱ ይሃርሞ ነበረ’ሞ ካብ ኣኮU ሃዲሙ ንበረኻ ከደ፤ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ኣጽሊሉ Eንከሎ ከኣ ሓደ ነገር ተዓዘበ። ሓደ ሓሰኻ ናብ ሓንቲ ቅርንጫፍ ናይታ ኣጽሊሉላ ዝነበረ Oም ክድይብ ይፍትን’ሞ ኣብ ፍርቂ ምስ በጽሐ ይወድቕ፤ ሕጂ’ውን ከምብሓዲሽ ይፍትን’ሞ ምስ ቀረበ መሊሱ ይወድቕ Eንተኾነ ተስፋ ከይቆረጸ ደጋጊሙ ይፍትን ነበረ፤ ኣብ መጨረሻ EላምU ብምውቃE ኣብ ጫፍ ናይታ ቅርንጫፍ ዘሎ ቆጽሊ ደይቡ ክበልE ረኣዮ። ቅ. ያሬድ ናይዚ ሓሰኻ ጻEርን ተስፋ ዘይምቑራጽን ኣብ መጨረሻ ከኣ EላምU ብዓወት ምዝዛምን ኣተባቢEዎ ርEሱ ብምውቃስ ናብ ኣኮU ተመሊሱ ኣቦይ ተቐበለንን ይቕረ በለለይን ፈቓድካ ክፍጽም Eየ በሎ ኣኮU’ውን ተቕበሎ። ቅ. ያሬድ ናብ ኣምላኹ ጸለየ፦ ኣምላኽ ድማ ልመናU ሰሚU ዓይነ ልቦናU ኸፍተሉ’ሞ ምሥጢር ፍልጠት ተገልጸሉ። መጻሕፍቲ ብሉይን ሓዲስን ኣጠናቒቑ ከኣ መዓርገ ዲቁና ተቐበለ።

ቅ. ያሬድ ኣብ ልEሊ Eቲ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍትን ዝተፈላለዩ ናይ ኣበው ሊቃውንቲ መጻሕፍትን፦ ንነገሥታትን ንመኳንንትን ንቤተ ክህነትን ዘደነቐ ንልቢ ዝምስጥ ድምጺ ዜማ ብኣምላኽ ተዓደሎ። ከምቶም ኣብ ቅድሚ Eግዚኣብሔር ቆይሞም “Eግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ Eዩ። ኲላ ምድሪ

ኸኣ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” (Iሳ. 6፥3) Eናበሉ ብዓቢይ ድምጺ ዝቀባብሉ ሱራፌል፥ቅዱስ ያሬድ’ውን “ሃሌ ሉያ ዋይ ዜማ ዘሰማEኩ በሰማይ EምላEክት Eንዘ ይብሉ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ Eግዚኣብሔር መልA ሰማያት ወምድረ ቅድሳተ ስብሐቲከ” Eናበለ ኣብ ድርሰቱ Eዚ ናይ ዜማ Eድሎት ወይ ውህበት ብመላEኽቲ ጌሩ ኣምላኽ ከም ዝዓደሎ ይምስክር። ከምU’ውን ኣብ ቅድሚ ታቦት ጽዮን ማርያም ኣኽሱም ደው Iሉ ብዓቢይ ድምፂ “ሃሌ ሉያ ለAብ: ሃሌ ሉያ ለወልድ: ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ: ቀዳሚሃ ለጽዮን ሰማየ ሣረረ: ወበዳግም ኣርኣዮ ለሙሴ ዘከመ ይገብር ግብራ ለደብተራ” (ሃሌ ሉያ ንኣብ: ሃሌ ሉይ ንወልድ: ሃሌ ሉያ ንመንፈስ ቅዱስ ንሰማይ ፈጠሮ ደጊሙ’ውን ንሙሴ ናይ ደብተራ ሥራሕ ኣርኣዮ” ነዚ ዜማ’ዚይ Eውን ካብ መላEኽቲ ካብ ሰማይ ዝተረኽበ Eዩ ንኽብል ‘ማኅሌት ኣርያም’ ቢሉ ሰመዮ።

ብድሕሪ’ዚይ ቅዱስ ያሬድ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ (ብሉይን ሓዲስን ) ከምUውን ካብቶም 9ተ ቅዱሳን ሮማውያን ዝበሃሉ ከም ብዓል ኣቡነ ኣረጋውን ኣባ ጰንጠሌዎን ዝኣምሰሉ ቋንቋ ግሪኽ ተማሂሩ ስለዝነበረ፥ ካብ ናይ ቀዳሞት ኣበው ቤተክርስትያን ከም ብዓል ቅ. ኣትናቴውስ ቅ. ቄርሎስ ቅ. ዮሓንስ ኣፈወርቅ ዝኣምሰሉ ሊቃውንቲ ዝጸሓፍዎን ዓሚቚን ጥልቅን ዝኾነ ምስጢረ መለኮትን፥ ናይ Eግዚኣብሔር Eብየትን ናይ ሥላሴ ሓድነትን ብዛEባ ናይ EግዝEትነ ማርያም ክብርን ጸጋን ብዛEባ ምስጢረ ሥጋዌን ዚገልጽ 5ተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ደረሰ።

(ናብ ገጽ 10 ይቕጽል...)

Page 5: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

5 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ሕማም ወቕI፣ ኣብ ሓንጎልና ዘጋጥም ሃንደበታዊ ናይ ደም ምትሕልላፍ ምቁራጽ Iዩ። ሓንጎልና Eኹል ትሕዝቶ ደም ምስ ዝረክብ ምሉE ስራሓቱ የማልE። ካብ ልቢ ዝዝርጋሕ ሽምብቆ ደም - ካሮቲድ ኣርተሪ (CAROTID ARTERY) ንሓንጎልና Eኹል መግብን Oክሲጅንን የመሓላልፍ። Eዚ ሻምብቆ ምስ ዝEጾ ወይ ምስ ዝብጠስ፣ ኣብ ገለ ክፋላት ሓንጎልና ጉድኣት የስEብ። ገለ ዋህዮታት ይሞቱ፣ መልEኽቲ ናይ ምሕላፍ ዓቕሞም የቋርጽ፣ ናይ ምዝራብ፣ ምርኣይ፣ ምንባብ፣ ምሽታት…ወዘተ ዓቕምና ይትንከፍ፣ ገለ ብምሉE ገለ ድማ ብኸፊል የቋርጽ። ብሓፈሻ ክልተ ዓይነት ወቕI ኣለዉ። 1, ቀዳማይ ጊዜያዊ ወቕI ( Ischemic stroke)፣

መድመይቲ ወይ ምEባስ ናይ ሻምብቆታት ደም Iዩ። Eዚ ሰማንያ ሚEታዊት (80%) ናይ ወቕI Iዩ።

2. Eቲ ካልኣይ፣ ምፍሳስ ደም ኣብ ውሽጢ ሓንጎል

ዘስEብ ወቕI Iዩ። Eስራ ሚEታዊት (20%) ናይ ወቕI Iዩ። ወቕI ሓንጎል ልክE ከም ወቕI ልቢ (heart attack) ብሃንደበት ዝመጽE ስለዝኾነ ብቑልጡፍ ቀዳማይ ረድኤት ሕክምና Eንተዘይተገይርሉ ናይ ኣካላውን ኣEምራዊን ስንክልና የስEብ። ሃንደበታዊ ሞት Eውን የኸትል።

ምልክታት ወቕI

ሃለዋት ምጥፋE። ከም ናይ ምርኣይ፣ ምስማE፣ ምዝራብ፣ …ወዘተ ዓቕምታት ምጉዳልን ምቑራጽን፣ ኣካላዊ ሚዛን ምጉዳል፣ ቃንዛ

ርEሲ፣ምንቅጥቃጥ፣ ምሉE ወይ ክፋል ኣካላዊ መልመስቲ፣ ወዘተ… Iዮም። ጠንቅታት ወቕI ሓንጎልና ዘስEቦ ነገራት ብዙሓት Iዮም። ንኣብነት፣

ምትካኽ ሽጋራን፣ ኣልኮላዊ መስተን፣ ልUል ዓቐን ስብሒ ኣብ ኣካላትና(high choles-

terol) ማህረምቲ ርEሲ፣ ኣብ ስድራ-ቤት ናይ ወቕI ሕማማት ምስ

ዚህሉ፣ ጽበት ሻምብቆታት ሓንጎል፣

ግዝፊ ወይ ምኽሳE፣ ሕማም ልቢ፣ ሕማም ሽኮርያ፣

ትሑት ዓይነት ወቕI ዘጓነፎም ሰባት ካልኣይ ጊዜ ከጋጥሞም ብዙሕ ተኽEሎ ኣሎ።

ሳEቤናት ወቕI Eንታይ Iዮም? ወቕI ሓንጎል ብደረጃ ይፈላለ። ናይ ሓንጎል ወቕI ብዝሓዘና መልክE ናይ ኣካላዊን ኣEምራውን ሕማማትና ኪፈለለ ይኽEል። ንኣብነት ብሰንኪ ሕማም ወቕI ኣብ ሆስፒታል ምስ Eንኣቱ፣ዝተፈላለዩ ኪIላታት ሕክምና፣ ሓካይም፣ ነርስታት፣ ኪIላታት ሶሻል ዎርከርስ…ወዘተ ምኽርን መድኃኒትን ይህቡና። ድሕሪ ሕክምና ኣብ ሆስፒታል ከኣ ቀጻሊ ሕክምና ከም ኣድላይነቱ ይከትተል። ንኣብነት ከም ናይ ምንቅስቓስ ዓቕምን፣ ናይ ምብላEን ምውሓጥን፣ ተዘክሮ ዓቕምና፣ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን፣ ናይ ምሻን፣ ቀልቀል ምውጻE፣ ዝተፈላለዩ ሕዋሳትና ዓቕሞም ንምሕያል፣ Eዞም ኪIላታት ንቡር Eለታዊ ሂወትና ንከነሰላስል ይሕግዙና። ከም ኣድላይነቱ Eውን ኣብ ገዛና ብምምጻE ሓገዛት ይህቡና። Eኹል መግቢ፣ ጽሬት፣ ምንቅስቓስ ንኪንገብር ተወሳኺ ወይ ምሉE ሓገዝ ይህቡና። ብሓፈሻ ሕክምናዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ (physiotherapy) ምክትታል ወሳኒ ፍወሳ ሕማም ወቕI Iዩ።

(ናብ ገጽ ይቕጽል)

ሕማም ወቕI (stroke) (ብዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር)

Page 6: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

6 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

Sponsorship of Refugees

Many of us have relatives, friends, neighbours, or

people we know residing outside Eritrea and hoping

to be sponsored by someone capable of doing

that .My experience with involvement of sponsoring

refugees and with the Canadian Council of Refugees

(CCR) lead me to write these basic steps of sponsor-

ing refugees and the different types of sponsorships

we can use. This is based on the information given by

Canada Citizenship and immigration (CIC) in all dif-

ferent media sources.

Sponsoring Refugees

There are two main categories of sponsorship

1. Government Assisted Refugees (GAR) :

These are selected by Canada citizenship and immi-

gration sometimes in collaboration with the UNHCR.

The government takes responsibility for up to one

year or until the refugees become independent which-

ever comes first. Only few lucky ones come through

this program and I am not going to discuss this one.

2. Private Sponsorship of Refugees (PSR)

The PSR Program, which arose out of the 1976

Immigration Act and was implemented in 1978, intro-

duced private sponsorship as a new vehicle for Cana-

dians to become involved in resettling refugees. The

program has since played a significant role in the re-

settlement of refugees from across the globe.

Since its inception, the PSR Program has contrib-

uted to the resettlement of over 250,000 refugees and

persons in refugee-like situations, who otherwise

might not have been able to come to Canada.

The PSR Program forms a unique partnership be-tween the Government of Canada and the sponsoring groups. Whereas CIC facilitates a refugee’s arrival in Canada, sponsors commit to providing care, lodging, settlement assistance and financial support to the ref-ugee. The Private Sponsorship of Refugees (PSR) for our

purpose of understanding can be categorized into two

parts.

Sponsorship Agreement Holders

(SAH)

CIC Headquarters approves individual sponsorship

agreements with incorporated organizations called

Sponsorship Agreement Holders (SAHs) interested

in sponsoring refugees, either directly through their

own organizations or through their constituent groups

(CGs). For example St. Nicholas of Bari is a constitu-

ent group and ORAT is the Sponsorship agreement

holder. A CG is a group authorized in writing by the

SAH to act on its behalf in sponsoring refugees.

SAHs and CGs form the majority of sponsors, ap-

proximately 85 percent. There are currently about

100 SAHs, the majority of which are either faith-

based organizations, ethno-cultural groups, or human-

itarian organizations. With the new rules of sponsor-

ing refugees, this category became very limited and

the SAH s are given a limited number of sponsorships

every year.

Everything you want to know about sponsorship (By: Bahlibi Tekle)

Page 7: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

7 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ሰበኻ ሰገነይቲ (1ይ ክፋል)

ኣብ ትሕቲ መንበረ ጵጵስና ሰበኻ ሰገነይቲ

ዝምሓደራ ቁምስና ዓድታት

ተቁ ዓዲ ቁምስና ዝተመስረተሉ ዓ.ም. ብዝሒ ምEመናን

1 ሓላይ ቁድስ ሚካኤል 1850 760

2 ሔቦ ማርያም ጽዮን 1852 1223

3 ኣኹሩር መድሃኔዓለም 1852 2500

4 ዓዲ ቖንጺ ቅዱስ ዮሴፍ 1852 350

5 ማይዔላ ቅዱስ ጊዮርጊስ 1852 848

6 ዓዲ ፍኒE ቅዱስ ጰጥሮሰ ጳውሎስ 1852 575

7 ሰገነይቲ ቅዱስ ሚካኤል 1867 700

8 ደግራ ሊቤ ቅዱስ Eስቲፋኖስ 1867 3155

9 ዓዲ ኣንገፎም ቅዱስ Eስቲፋኖስ 1867 768

10 ሓድሽዓዲ ሓደግቲ ቅዱስ ሚካኤል 1894 216

11 ዓደብUር ቅድስቲ ማርያም ፋጢማ 1894 1250

12 ዓዲ ቐይሕ ሓደግቲ ቅድስቲ ኪዳነ ምሕረት ---------- 6

13 ደግራ መሬቶ ቅድስቲ ኪዳነ ምሕረት 1925 25

14 ሓድሽ ዓዲ ዓረት ቅድስቲ ኪዳነ ምሕረት 1852 203

15 ምዓርዳ ቅድስ ጊዮርጊስ 1862 11

16 ኣውህነ ቅድስቲ ኪዳነ ምሕረት 1862 35

17 ደርዓ ቅዱስ ሚካኤል 1987 8

18 ዓዲ ቐይሕ መድሃኔዓለም 1905 634

19 ሰንዓፈ ቅዱስ ዮሴፍ 1938 310

20 መሰርሓ ደብረ Eየሱስ 1894 34

21 ሞኖኽሶይቶ ልደታ ማርያም 1897 546

22 ዓዲብትዞ መድሃኔዓለም 1908 540

23 ቆለት ገራና ቅዱስ ዮሴፍ 1908 110

24 ግድሳ ቅስቲ ማርያምጽዮን 1931 99

25 ማይሓራሳት ደብረ ኣስተርEዮ ማርያም

1897 405

ሌላ ምስ ሰበኻታት ኤርትራ

ካቶሊካዊት ሰበኻ ሰገነይቲ

ኣብ ትሕቲ ሓለዋን ጉስነትን

መለኮታዊ ምሕረት

Page 8: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

8 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ኣብ ዳያስፖራ ወይ ስደት ዘሎና ኤርትራውያን ብፍላይ ካቶሊካዊ Eምነትናን ማሕብራዊ Eቤትና ንምምይያጥን ንምምኽኻርን መጽሔት “ብርሃን ቶሮንቶ” መስሪትና ካብ ንጉዓዝ ድሮ ሽዱሽተ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ ጊዜ ማሕበራዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ስድራ ቤታዊ፡ ርክባትና Eላልን በተደጋጋሚ ዝዝረቡ ርEቶታት ኣለዉ። ግን’ከ ከም ኣርEስቲ ተላIሎም ኣብ ኣኼባን ኣብ ጽሑፍን ክዝረበሎም ኣድላዪ ይመስለኒ። ከም ዓምዲ ’ውን “ንዘራረብ” ዝብል ኣርEስቲ መሪጸ ኣለኹ። ርEይቶ ናተይ ብዝተፈላለየ ኣገባብ፡ ክትE፡ ሓሳብ፡ ተቓውሞ፡ ድጋፍ፡ ክህብትም ዘኽEል መንገዲ ምኽፋት Iዩ። Eዚ ከኣ ንEቤት ማሕበራዊ ሂወትና ንምEባይ ኪኸውን ተስፋ Eግበር። ተቓውሞን ድጋፍን ከኣ ብመንፈሳዊን ማሕበራዊን ምክብባር ምስ ዝኸውን Eቤትን ምEብልናን የምጽE። Eቶም ኪዛረበሎም ናብዚ ናይ ሎሚ ኣርEስቲ ዝመረጽኩዎም ንገለ ማሕበራዊ ሂወትና ዝምልከቱ Eዮም። ኣብ ካናዳ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ቁጽርና 30,000 (ሰላሳ ሽሕ) ንግመት ኤርትራውያን ኣሎና። መብዛሕትና ብሰንኪ ማሕበራዊ ናብራና፡ ኣብቲ ብቐሊሉ ስራሕ ዝርከበሉ ዓበይቲ ከተማታት ካናዳ ንርከብ። ማለት ኣብ ቶሮንቶ፡ ካልጋሪ፡ ኤድመንተን፡ ሞንትርያል፡ Oታዋ፡ ቫንኮቨር፡ ዊኒፔግ ….ወዘተ። Eቲ ዝበጽሐ ቁጽሪ ምናልባት ልEሊ 10 ሽሕ ዝኸውን ኣብ ቶሮንቶን ከባቢኣን ይርከብ። መብዛሕታU ድማ ኣብ ሰርቪስ Iንዱስትሪ (service industry) ብምስራሕ ናብራU የካይድ። Eድመ ኤርትራዊ ኣብ ካናዳ ልEሊ 30 ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። መብዛሕታU ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ዝኣተወ ኮይኑ፡ ልEሊ 25 ዓመት ኣብ ካናዳ ዝተቐመጠ Iዩ። ልEሊ 90 ካብ ሚEቲ ዜግነት ካናዳ ኣለዎ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ Eውን፡ ስደትና ስለዝቐጸለ፡ ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይውሰኹ ኣለዉ። ቁጽርና ካብ ዓመት ናብ ዓመት Eንዳወሰኸ Iዩ። ብዘይ ቃል ዓለም ኣካል ሕብረተ-ሰብ ካናዳ Iና። መብዛሕትና’ውን ኣብ ካናዳ ልEሊ ፍርቂ Eድመና ዝነበርና Iና። ምስ ካልOት ብሔራት ካናዳ ተዋሲብና ነንብር ዘሎና Iና። ደቅና’ውን ምስ ኣብዚ ዘሎ ሕብረተሰብ ተዛሚዶምን ተዋሲቦምን ካንዳዊ ሂወት ዝመርሑ ዘለዉ ውሑዳት ኣይኮኑን። ኣብዚ ነበርንትን፡ ተቐመጥትን፡ መወትን Iና። በዚ መሰረት’ውን ማሕበረዊ፡ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ …ወዘተ ሂወት ካናዳ ምሳU ኣዛሚድና ብደረጃ ውልቀ ሰብ፡ ስድራ ቤት፡ ማሕበረሰብ…ወዘተ ክንዛመድ ንግደድ። ብሓፈሻ ነዚ ንምምላE ምስቲ ዘሎ ገለ መሰናኽላት Eናተጎዓዝና Iና። ገለ ኣርEስቲ ከም ርEይቶ ክህብ። ማሕበራዊ ሂወትና ከም ኣብ ጊዜ መርዓ፡ ሞት፡ ጥምቀት፡ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ማሕበራዊን በዓላት፡ ውልቃዊ ስድራ ቤታዊ በዓላት ከም ምምራቕ ትምህርቲ፡ ናይ መርዓ Iዮበልዮ፡ ሞት ኣብ ስድራ ቤት ከጋጥም ከሎ ንገብሮ ሓዘን….ከመይ ኣሎ? ኩሉ Eዚ ዝጠቐስኩዎ፡ ምስ ሂወትና ማለት፡ ጊዜ Eረፍትና፡ ትሕዝቶና፡ ስራሓትና ሃይማኖታዊ ግቡEና ይወሃሃድን ይቃዶን ኣሎ ዶ? ኩሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ንመነባብሮU ከካይድ በዘይ መጠን ጻEረኛ Iዩ። ገለ ሓሙሽተ ወይ ሸውዓተ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ዝሰርሕ ኣሎ፣ ገለ’ውን ኣብ መዓልቲ ክልተ-ሰለስተ ስራሕ ዝሰርሕ ኣሎ። Eዚ ውሳኔ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ውልቀ-ሰብ ወይ ስድራ ቤት Iዩ። ብሓፈሻ ማሕበራዊ ሂወትና ንጥEናናን ንቑጠባዊ ትሕዝቶናን ዓቢ ግደ ኣለዎ። ነዚ ኣርEስቲ ንምሕያል፡ ብፍላይ’ውን ንከተማ ቶርንቶ ብፍላይ’ውን ንኤርትራዊ ማሕበረሰብ ከም ኣብነት ኪወስድ Iየ። ኣብ ቶሮንቶን ከባቢኣን ዘሎ ኤርትራዊ ልEሊ 10 ሽሕ ይግመት። ምጥርናፉ Eውን ብሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕብረተሰባዊ፡ Iዩ። ግን’ከ መብዛሕትU ኣብ ግዜ ሓዘንን መርዓን ብሓባር ይራኸብ። ከም Eንፈልጦ ኣብ ሓደ ዓመት ሓምሳን ክልተን ሰሙናት ወይ ቀዳመ ሰንበት ኣለዋ። Eቲ Eንገብሮ ውራያት ኣብ ቀዳመ ሰንበት Iዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ኣብ 2 ኣርEስቲ ርEይቶ ክህብ Iየ። 1. ሞትን ሓዘንን 2. ኣገባብ ጥምቀት

(ናብ ገጽ 18 ይቕጽል....)

ንዘራረብ !!!

Page 9: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

9 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

(....ካብ ገጽ 5 ዝቐጸለ) ሕማም ውቕI

* * *

ነጸርታ ሕማም ወቕI ናይ ሕማም ወቕI ዓይነት ንምፍላጥን ንምልላይን ዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣለው። ንኣብነት ናይ ልቢ መርመራ፣ ሙሉE ኣካላዊ መርመራ፣ ብኮምፒዩተር ናይ ርEሲ (CT scan) ብናይ ዓንዲ ሕቖን ርEስን ኮምፒዩተር (MRI)

መርመራ ምግባር። ወቕI ሓንጎል ብኸመይ ንከታተሎ ብሕማም ወቕI ሃንደበታዊ ስንክልና ወይ ሞት ኣብ ውሽጢ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብና ሓሓሊፉ ይርኤ። ነዚ ንምክልኻል ዘድሊ ኣፍልጦ ምህላው ወሳኒ Iዩ። ገለ ንምጥቃስ፣ ብዝከኣል ስብሕን፣ ሽኮርን ዝበዝሖ መግብን

መስተን ዘይምዝውታር፣ ናይ ደም ብዝሕን ኮሊስትሮልን ምጉዳልን

ምቁጽጻርን፣ ብብዝሒ ኣሕምልትን ፍሬታትን ምብላE፣ ጨው ብመጠኑ ኣብ ምግብና ምዝውታር። ንምገቦም

ሚዛን ጨው ምፍላጥ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታር፣ ብውሑድ ኣብ

መዓልቲ ንፍርቂ ሰዓት ብEግሪ ምዝዋር ወይ ምንቅስቓስ።

ካብ ጸቕጢ (stress) ዘምጽO ሓሳባትን ጠባያትን ምርሓቕን ምቁጽጻሮምን። ምኽንያቱ ብዝሒ ጸቕጢ (stress) ብዝሒ ደም ስለ ዘስEብ።

ሽጋራ ካብ ምትካኽ ምቑጣብ። ሽጋራ ሕማም ልቢ፣ ወቕI፣ ካንሰር…ወዘተ ስለ ዘስEብ።

ሕሉፍ ኣልኮላዊ መስተ ምዝውታር፣ ጸቕጢ ደም ስለ ዘስEብ ካብዚ ምቑጣብ።

ገለ መድኃኒታት ናይ ጉንፋE ወይ ሰዓል…ወዘተ ብዝሒ ደም ስለ ዘኸትሉ ቅድሚ ምጥቃምና ምስ ሓኪም ወይ ፋርማሲስት ምውካስ።

ዓመታዊ ጠቕላላ መርመራ ምግባር።

ኣቶ ዮሃንስ ድራር ብሶሻል ዎርክ ብማስተርስ ዲግሪ

(Masters in Social Work) ምሁር ኮይኑ ኣብ ሮያል Oታዋ ማለት ናይ ስነ-ኣEምሮ ሆስፒታል ኣብ ከተማ Oታዋ ንነዊሕ ዓመታት ዘሰርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ Iዩ። ንማሕበረ-ሰብና ብዛEባ ሕማም ኣEምሮ ኣብ ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን፣ ብሰሚናራትን፣

ትምህርቱ ዘካፍል ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ Iዩ። ብIመይል: [email protected]

ወይ ከኣ ብስልኪ 1-613-596-3040 ንሓገዝ ወይ ምኽሪ ምርካቡ ይከኣል።

ናይ ትካላት መፈለጢ ምልክታ ብርትዓዊ ዋጋ ነውጽE። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስEብ ኣድራሻ ተወከሱ። Email: [email protected]

647-991-7065

Page 10: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

10 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

(...ካብ ገጽ 3 ዝቐጸለ) ቅዱስ ያሬድ....

ቅ. ያሬድ ንዜማታቱ ኣብ ኣርባEተ ወቕቲ፥ ናይ ሓጋይ፣ ፀደይ፣ መጸው (ቀውI)፣ ከረምቲ ከፋፊሉ ኣብ ውሽጢ Eዚ ወቕትታት Eዚይ ከኣ ናይ ሰናብትን ናይ መላEኽቲ በዓላትን ናይ ነብያትን ናይ ሓዋርያትን ናይ ሰማEታትን ጻድቃንን ኩሎም ቅዱሳንን፥ ብሠለስተ ዓይነት ዜማ ማለት ብግEዝን: Eዝልን: ዓራራይን: ማኅሌተ ቅኔ ከም ዝዝየም ገበረ። ንሳቶም ከኣ፥ ድጓ ማለት ካብ ድጒዓ ዝወጸ ክኸውን ከሎ፥ መዝሙር ሓዘን ወይ መዝሙር ቁዘማ ማለት Eዩ። ግEዝ ንEግዚኣብሔር ኣብ ምሳሌ መዠመርያ ዝተረኽበ ማለት Eዩ። Eዝል ንEግዚኣብሔር ወልድ ምሳሌ ዝወሃብ ድምጺ ለዊጡ ዝዝየም ማለት Eዩ። ዓራራይ ማለት ከኣ ዓረር Iልካ ምብካይ ንEግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ምሳሌ ኾይኑ፥ ዜማU ኣራኅራኂ ኣተሓዛዛኒ ንልቢ ዝትንክፍ ማለት Eዩ።

Eቶም ያሬድ ዝደረሶም ሓሙሽተ መጻሕፍቲ 1ይ ጾመ ድጓ 2ይ ድጓ 3ይ ዝማሬ፣ 4ይ መዋሥEት፣ 5ይ ምEራፍ ተባሂሎም ይጽውU። ጾመ ድጓ ብጊዜ ጾመ ኣርብዓ ዝዝየም፣ ድጓን ምEራፍን ብማንም መዓልትን ሰንበት ክርስትያንን ካብ ዮሓንስ ክሳብ ዮሓንስ ዚብጽሕ ጸሎት Eዩ። መዋሥEት ኣብ ስነሥርEት ቀብሪ ዚበጽሕ Eዩ። ዝማሬ ኣብ መዋሥዋEተ ቅዳሴ ምስትቐደሰ ይበጽሕ።

ኣብ ውሽጢ Eዞም ሓሙሽተ ዘርEስቶም መጻሕፍቲ (1) መሓትው (2) ዋይዜማ (3) ምልጣን ኣንርጋሪ (4) Eስመ ለዓለም (5) መዝሙር (6) ኣቡን (7) Eዝል (8) ኣራራይ (9) ሰላም (ቃል ትምህርቲ) መስተጋብE፣ ኣርባEቱ፣ ኣርያም፣ ሠለስት፣ ምስማክ ው.ዘ.ተ. ዚበሃሉ ብዓይንቶም ጸዋትወ ዜማ ኣብ ድጓ ይርከቡ። ናይ ዜማ ቃናታት ብናይ ቅድስተ ሥላሴ ኣምሳል ሠለስተ ዓይነት Eያቶም። ግEዝ ንEግዚኣብሔር ኣብ ናይ ደስታ ድምጺ Eዩ። Eዝል ንEግዚኣብሔር ወልድ ናይ ኃዘን ድምጺ Iዩ። ዓራራይ ንEግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ዝወሃብ ናይ ሓዘን ድምጺ ኣለዎ። ቅዱስ ያሬድን ኣቡነ ኣረጋውን ሐፀይ

ገብረመስቀልን፥ ኣብ ዓደምሓራ ንጣና ሐይቅ ቅ. ቂርቆስ ገዳም ገደሙ። ቅዱስ ያሬድ ኣብU ክልተ ዓመት ዜማ መሀረ። ምልክት ዘይብሉ ድጓ ኣብU ኣብ ጣና ቂርቆስ ኮይኑ ዝጸሓፎ ክሳብ ሕጂ ኣብU ይርከብ። ብድኅሪU ኣቡነ ኣረጋውን ቅ. ያሬድን ናብ ጋይንት ከይዶም ቤተ ክርስትያን ናይ ማርያም ብሐፀይ ገብረመስቀል ሓገዝ ኣህነጹ፤ ኣብU ቅ. ያሬድ ዝማሬን መዋሥEትን ኣምሃረ ክሳብ ሕጂ ጋይንት ናይ ዝማሬ መዋስEት ምስክር ኣሎ። ካብU ቅ. ያሬድ ናብ ኣኲሱም ተመሊሱ መዝገብ ቅዳሴ 14 ኣኲቴተ ቁርባን ዚበሃሉ ብግEዝ ብዓራራይ ብEዝሊ ከም ዝዝየም ገበረ። ካብU ናብ ጸለምቲ ሰሜን ከይዱ ምEራፍ ዳዊት ኣዜመ። ካብU ኣብ ወገራ ኣገው ኣብ ሰሜን ምስራቕ ዘሎ በረኻ ብ571 ዓ. ም. ብ 11 ገንቦት ዓረፈ።

ቅዱስ ያሬድ ነታ ኣብ ናይ ሽU Eዋን ርEሲ ግዝኣት ሮማ ኰይና ዝነበረት’ሞ ንጉሥ ቁስጥንጢኖስ ብ 327 ዓ. ም. ብሽሙ ዘጠመቓ ከተማ ቁስጥንጥንያ (ሓዳስ ሮሜ) ኣብ ናይ ሎሚ Iስታንቡል ቱርኪ Eትርከብ ካቴድራል ቅድስቲ ሶፍያ ካብ ምጽባቓ ዝተላEለ ‘ቢIድ ኣምላኽ Eምበር ብIድ ሰብ ኣይተሰርሐትን’ Eናተባህለት ትድነቕ ዝነበረት ቤተክርስትያን’ውን “ንቤተክርስትያን ሮማ ከይደ ረኣኹዋ፤ ሪA’ውን ፈለጥኩዋ፤ ከም ንEሽቶ ሓብተይ ከኣ ፈተኹዋ” Eናበለ ከም ዘዜመላ፥ ኣብ ሰማንያታት፥ ሓለቃ ጽጌ ገብረኪዳን ጐሹ ዝተባህሉ ኣብ ጋዜጣ ብርሃን ጽሒፎም ኔሮም። Eዚይ ዘብርሃልና ከኣ ቤተክርስትያን ዓዲ ሓበሻ ምስ ቁስጥንጥንያ ከመይ ዝበለ Eርክነት ከምዝነበራ Eዩ።

(ናብ ገጽ 16 ይቕጽል....)

Page 11: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

11 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

(.....continued from page 6 ) ...sponsorship

GROUP of Five(G5)

This sponsorship is done by forming a group of

five or more Canadian citizens or permanent resi-

dents (known as a G5) to supply the necessary fi-

nancial resources, expertise, and commitment re-

quired to fulfill the terms of the sponsorship un-

dertaking for one year or upto the refugee be-

comes independent whichever comes first.

In order to do the group sponsorship, the follow-

ing forms must be completed by the five group

members and mailed to the processing centre .

The principal refugee applicant is required to

complete an application for permanent resi-

dence (IMM 6000) that is Generic form, Schedule

A, Schedule 2, and two pictures for each family

member. Any family member 19 or above should

fill the Schedules separately. The refugee appli-

cant must mail these forms to the sponsoring

group and the sponsoring group must mail them

with their completed sponsorship forms to the pro-

cessing center.

2. Proof of refugee status recognition

Especially for a group of five, a document show-

ing valid proof of refugee recognition by the Unit-

ed Nations High Commissioner for Refugees

(UNHCR) or a foreign state must be included with

the application. This law was effective October

19, 2012. In Sudan they have a yellow card and in

other countries like Ethiopia, Kenya, Uganda, they

can get this document from the government offic-

es. In Israel, they cannot produce this document

and consequently a group of five sponsorship can-

not be done unless they are lucky and got a UN-

HCR letter. This document must be translated into

English.

The following forms must be filled out and

printed from CIC website.

Undertaking/Application to Sponsor (IMM

5373) ( signed by all 5)

Sponsor Assessment (IMM 5492) (5 copies,1

for each group member )

Document Checklist (IMM 5437)

Settlement Plan and Financial Assessment

(IMM 5373A) (Completed by group repre-

sentative)

Financial Profile Form (IMM 5373B)( 5 cop-

ies,1 for each members)

What are the requirements for Group of 5?

Every member of the Group of Five (G5) must

meet the following requirements:

be a Canadian citizen or permanent resident 18

years of age or older

have financial capacity to fulfill the sponsor-

ship undertaking for the duration of the sponsor

ship period (generally 12 months)

provide evidence of settlement capacity to pro-vide emotional or social support to a refugee and his or her family

Page 12: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

12 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ዓመታዊ ክብረ በዓል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኪዳነምሕረት ኤርትራ ኣብ ቶሮንቶ ለካቲት 26, 2017 ብኽብ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ከቢሩ ውIሉ።

Eቲ ብድሮ ብዋዜማ ዝጀመረ በዓል ንጽባሒቱ ኣብ ዝቐጸለሉ Eዋን፡ ካብ ቶሮንቶ ከባቢኣን ዝመጹ ነጋድያን ነቲ ቤተክርስትያን ካብ ጫፍ ንጫፍ መሊOሞን ቦታ ዘይረኸቡ ድማ ኣብ ግዳም ብምዃን ጸሎትን ምህለላን ኣብጺሖም።

ኣብዚ መስዋEቲ ቅዳሴ ዝተኻፈሉ ካህናት፡ ቆመስና ኣባ ተኽለማርያም፡ ኣባ ጳውሎስ ቆመስ ናይ St. Wilfrid Catholic Church፡ ኣባ Iሳያስ ቆመስ ናይ Iትዮጵያ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቶሮንቶ፡ ከምU’ውን ኣባ ቡሩኖ ቆመስ ናይዚ ንጥቀመሉ ቤተክርስትያን St. Nicholas Di Bari Iዮም።

ድሕሪ ቅዳሴ Uደት ተኻይዱ ምስ ኣብቅA፡ ኣባ ጳውሎስ ንምEመናን ዝመሰጠን መንፈስዊ ንቕሓት ዘበራበረን ስብከት ኣስሚOምና።

ብዘይካ’ዚ ያሬዳውያንን፡ ዘመናውያን መንEሰያትን ህጻናት መዘምራንን ነቲ በዓል ዓቢ ድምቀት ሂቦምዎ ውIሎም።

ፍጻሜታት

* * *

Page 13: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

13 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

* * *

ፍጻሜታት

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ናይ ሰበኻ ሰገነይቲ፣ ናይ ካቴድራል ቅዱስ ሚካኤል ከረንን ናይ ቤተክርስትያንና ኪዳነምሕረት ቶሮንቶን መደባት ድራር ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት ተኻይዱ። ኣብቲ Eዋን ዝተራEየ ጽቡቕ መንፈሳዊ ምትሕብባር ናይ ምEመናን ዝነኣድ ኣብ ርEሲ ምዃኑ ንመጻI ከኣ በዚ መልክU ክቕጽል ዘሎና ተስፋ ንገልጽ።

Dr. Demsas Habtu

An Eritrean Canadian professional. Demas Habtu from Winnipeg received two distinguished awards. Dr. Dem-sas who was an Orthopaedic surgeon in Italy, worked as a family doctor in Manitoba for the last 32 years . The Ethio-Canadian Charitable Promotional award Inc chose Dr. Demsas Habtu to receive its first prestig-ious award, the Diamond Humanitarian Award at its first annual Promotional award gala. This was given in recognition to his dedication to pro-vide medical support resources, financial support through social activities and fundraising and enhancing the quality of life to those who are less fortunate. It is also in recognition of the many years of commitment he made for new immigrants and sponsorship support upon their arrival. Dr.Demsas also received few years ago, the Dr. Arm-strong Humanitarian award from the Manitoba As-sociation of Doctors for his work with refugees and giv-ing medical care for those who don’t have the oppor-tunity to get health care. We congratulate Dr. Demsas, his wife Letengus, and his family for getting the recognition they deserve. Appre-ciating what others do should be encouraged in our communities

Page 14: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

14 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

(.... ካብ ገጽ 7 ዝቐጸለ) ሰበኻ ሰገነይቲ

ካልኣይን ናይ መወዳEታን ክፋል ኣብ ቀጻሊ ሕታም ክቐርብ Iዩ።

ተቁ

ዓዲ ቁምስና ዝተመስረተሉ ዓ/ምሕረት

ብዝሒ ምEመናን

26 በራቒት ዓባይ ደብረ ማርያም ምጥማቕ 1874 623

27 ዓደውሒ ደብር ቅድስቲ ስላሴ 1970

43

28 በራቒት ንEሽቶ ደብረ መድሃኒዓለም 1940 139

29 Eንገላ ደብረ ኣስተርEዮ ማርያም 1897 320

30 UናፈርOን ደብረ መድሃኔዓለም 2009 15

31 ተኸላቢ ደብረ ቅድስቲ ስላሴ 1921 20

32 ማEረባ ደብረ ቅድስ ዮውሃንስ ውንጌላዊ 1930 108

33 ከተማ ደቀምሓረ ደብረ ኪዳነ ምሕረት 1925 2310

34 ከተማ ደቀምሓረ ደብረ መድሃኔዓለም 1894 -

35 ኣፈልባ ደብረ Eየሱስ 1894 460

36 ሰሳሕ ደብረ ቅድስቲ ማርያም ቁስቋም 1891 150

37 ትኹል ደብረ ቅዱስ ገብርኤል 1939 22

38 ማይ Eዳጋ ደብረ ቅድስቲ ስድራቤት 1940 38

39 ዓላ (በለቕ) ደብረ ኪዳነ ምሕረት 1945 154

40 ዓላ (ጭዓይቶ) ደብረ መድሃኔ ዓለም 1967 347

41 ሰለድ ደብረ ኪዳነ ምሕረት 1958 -

42 ከተማ ዓሰብ ደብረ መድሃኔ ዓለም 1886 145

43 ቶኽንዳE ደብረ ቅስቲ ማርያምጽዮን 1987 -

44 ዓገመዳ ደብረ ልደታ ማርያም 1936 -

45 ዳማስ ደብረ መድሃኔዓለም 1987

46 Eምባትኑጋ ቤት ጸሎት 1942

47 ጭወት ደብረ ቅድስቲ ስላሴ 1968

48 ማይኣሓ ቤት ጸሎት 2006 5

49 ኣሰጣሕ ቤት ጸሎት 2010 9

50 ጾሮና ደብረ ቅዱስ ዮሴፍ 2007 15

51 ጉራE ደብረ ቅዱስ ሚካኤል 1935 -

Page 15: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

15 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

(.....continued from page 11) ...sponsorship

Proof of Canadian citizenship or Permanent Resi-

dence Status

Each member of the sponsorship group must provide

a copy of proof of status in Canada from one of the

following.

Permanent Resident Card, or

Immigrant Visa and Record of Landing (IMM

1000) or Confirmation of Permanent Residence (IMM

5292 or IMM 5688), or

Canadian birth certificate, or

Both sides of a Canadian citizenship card, or

Both sides of a Canadian certificate of registration of birth abroad.

Proof of funds

The following sources are considered valid proof of

income for Group of Five members

A copy of your most recent T4 or T1, or

A copy of your most recent Notice of Assessment

(from Canada Revenue Agency), or

An original letter or proof of annotated cheque

stubs from your employer confirming Financial Pro-

file details, or

If self-employed, a letter from an accountant con-

firming your annual income, or

Proof of other sources of income (pension state-

ment, investments, etc.), or

Employment Insurance pay stubs.

Community Sponsors: A group such as an associa-

tion, organization, or a corporation can also sponsor

refugees. The refugee must have a recognition from

UNHCR or the government.

Note: You can find this in the copy of undertaking

sent to you by CIC after approval of the sponsorship.

ONE YEAR WINDOW OF OPPORTUNITY

If you immigrated to Canada as a member of the Con-

vention Refugees Abroad and Humanitarian-

Protected Persons Abroad classes and had to leave

family members behind due to circumstances beyond

your control, you may be able to apply for your fami-

ly members to come to Canada under the One-Year

Window of Opportunity Provisions.

If you answer YES to all of the following ques-

tions, you may request that your family members’

applications to be processed for permanent residence:

1. Did you arrive in Canada less than one year ago?

2. Were you accepted as a member of the Conven-

tion Refugees Abroad and Humanitarian-Protected

Persons Abroad (Country of Asylum) classes?

3. Was the separated family member identified on

your Application for Permanent Residence in Canada

(IMM 0008) form? When you were applying in your

forms.

Does your family member meet the definition? Fami-ly members include your spouse or common-law part-ner and dependent children There is no fee for the processing of your family

member’s application for permanent residence under

these provisions.

Page 16: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

16 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

(...ካብ ገጽ 10 ዝቐጸለ) ቅዱስ ያሬድ....

ኣብ ታሪኽ ከምዝፍለጥ ኣብ ጊዜ ዘመነ ኣክሱም ዓዲ ሓበሻ ምስ ቁስጥንጥንያ ብሃይማኖትን ብንግድን ጥቡቕ ዝኾነ Eርክነት ከምዝነበራ፥ ሃፀይ ካሌብ ነቶም ግዳያት ግፍI ኣይሁድ ኮይኖም ዝነበሩ ኣብ የመን ዝርከቡ ዝነበሩ ክርስትያን ሃገረ ናግራን ዘርዩ ንኣይሁድ ክድምስሶም ከሎ፥ መንግሥቲ ሮማ ናይ ቁስጥንጥንያ ኣብ ጐድኒ ሃፀይ ካሌብ ኮይኑ የተባብO ምንባሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይገልጹ። ቅዱስ ያሬድ’ውን “ሃገረ ናግራን ሃገረ ቅዱሳን” Eናበለ ኣዚሙላ ከምዝነበረ ይፍለጥ። መኣስ ደኣሉ Eዚ ጥቡቕ Eርክነት ናይ ቁስጥንጥንያን ዓዲ ሓበሻን ተበቲኹስ Eርክነት ቤትክርስትያን ዓዲ ሓበሻ ምስ ግብጺ (ኣለክሳንድርያ) ጥራይ ተሓጺሩ ተሪፉ ቢልና ምስ Eንሓትት፥ ሓይልታት ምስልምና (Oቶማን ቱርኪ) ንቁስጥንጥንያ ብ 1453 ዓ. ም. ፣ ንቐይሕ ባሕርን ንምጽዋEን ብ 1557 ዓ. ም. ተቖጻጺሮም መስመር መራኸቢ ክልቲU ሕዝብታት ምስ ዓገትዎ መንግሥቲ ኣኲሱም ተዳኺሙ ፤ ቁስጥንጥንያን ዓዲ ሓበሻን ከኣ ናይ ሃይማኖትን ንግድን ምሕዝነተን ንሓዋሩ ተበቲኹ። ቅዱስ ያሬድ ካብ ዝውለድ ኣስታት 1500 ዓመታት Eኳ Eንተሓለፈ ንድርሰታት ዜማታቱ ክሳብ ሕጂ መተካEታ ዘይተረኽቦ ከምቲ ናይ ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ፥ ናይ መለኮታውነቱ ጥልቀት፣ ናይ ቅኔታቱ ህርመት፣ ናይ ዜማታቱ ጣEሚ ኣዝዩ ዘደንቕ ወትሩ ሓዲሽ ኮይኑ ዝነብር ዘይምኖ ውርሻ ገዲፉልና ሓሊፉ።

ቅዱስ ያሬድ ንዜማታቱ ብናይ ሙዚቃ መሣርሒ (ጸናጽልን ከበሮን ጣቕIትን) ተሰንዩ ከም ዝዝየም ጌሩ ዘወሃሃደ ናይ መዠመርያ ደራሲ Eዩ። Eምበኣር Eዚ ዓቢይ ቅዱስ Eዚይ፥ መዠመርያ ኣብ ስነ ጽሑፍ ካልኣይ ኣብ ዜማ ሣልሳይ ኣብ ሙዚቃ ልUል ዝኾነ ኣበርክቶ ዝገበረ ዓብይ ሊቅ ስለዝኾነ ክንዝክሮን ፈሊጥና ንካልOት ክነፍልጦን ግቡEና Eዩ።

ምንጪ ጽሑፋት: ገዳማት ኤርትራ (ብመሪጌታ ብርሃነመስቀል ተስፋማርያም) የIትዮጵያ Oርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሃይማኖትና ሥርዓት (article) [በEደ ማርያም Eጅጉ ረታ (ኣምሓርኛ) Orthodox Ethiopia (article) by Dr. Sergew Hable-Selassie

* * *

ታቦት

ንሕና Eምበኣር ደድሕሪ Iየሱስ ንኽተል ጥራይ ዘይኮናሲ Iየሱስ ንነፍሲ ወከፍና መጺU ማEጾ ልብና ዝኹኩሓና Iና። Eንተ ከፊትናዮ ከኣ ብዘይ ጥርጥር ታቦት Iና። ቤት መቕደሱ`ውን Iና። “ቤተመቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላውን`ዶ ኣይትፈልጡን Iኹም፥ ሓደ`ኳ ነቲ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ Eንተፍረሶ፣ ኣምላኽ ኬፍርሶ Eዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ Eያ። Eዛ ቤተመቕደስ Eዚኣ`ውን ንስኻትኩም Iኹም” (1ቆሮ3፡ 16-18)። ቀሺ መሓሪ ላEከ

Answer Which do I have?

A Question? An answer?

Both ? or Neither?

*** Who said an answer Needs a question? Rather a question Begs an Answer.

*** In the midst of

Such Bewilderment, found the response, and the query

Both on the Cross!!!

ByAbelM.GebreyesusToronto,ON

Page 17: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

17 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

What is My Value? By Abel M. Gebreyesus, BA, MHI, LSSGB

No… no.. I am not asking “how much am I worth?”. Please do not take it with that sense. I am referring the “value” as in a lifelong princi-ples to guide a person’s life and critical decisions, even daily moments that would fulfill our sense of living. As one scholar puts it: “Your values are the things that you believe are important in the way you live and work.” I am refer-ring the question of value in relation to what the Lord Jesus revealed to us that guide us both in critical decision and even in the mundane part of life. Most people, or to be specific, most young people ask, “what do I want?”. This question comes in differ-ent forms, either directly in such format or indirectly with a form of other similar questions. Do I want to

go to join a summer music club or a soccer camp? . Do I need to have a job and have money or save the energy and stay home? Do I need to study Accounting or Marketing? Do I need to join a medical school or run my family business? …… The questions are endless. Those indefinite list of queries from everyday bits and pieces to career decisions, in a number of cases, met with displeas-ure after some time. A young person who is at a high school, who usually ask “do I want to have a job and have money?” met with an instant reality that money cannot buy the ultimate happiness. A salesperson who sells products to customers with misleading facts, who also gets additional bonus from his company, finds him/herself struggles with the conscience to respond to the internal question of wrong doing – of course as long as misleading people is not considered as “a right thing to do”. That is why, instead of asking “what do I want”, it is better to ask “what is my value?” in search of long term happiness. Identifying and understanding the values makes it easy to decide important decisions; and it can meet with better satisfac-tion level. The Bible puts it this way: “ “Take delight in the Lord, and he will give you the desires of your heart. " Psalm 37:4. Similarly, the word of God teach us how important it is to talk to God when deciding major decisions. It says: “Commit to the Lord whatever you do, and he will establish your plans.” Proverbs 16:3 ? If “what is my value" directly relates to happiness, then bringing God in the middle of big or small decision will always bring, in a long term, better satisfaction. “When the things that you do and the way you behave matches your values, life is usually good – you're satisfied and content. But when these don't align with your personal values, that's when things feel... wrong. This can be a real source of unhappiness” said Ann Loehr in her “How to Live With Purpose, Identify Your values and Improve your Leadership” article. They should determine one’s priorities, and, deep down, they're probably the measures a young person or any per-son uses to tell if one’s life is turning out the way an individual wants it to. Such value-based question happen every day to anyone. However, young people are the one who needs them most, be-cause they are still laying out the foundations of their life. Every decision, any decision for that matter, will have its own effect down the road. You may have heard it was said, "for every action, there is reaction." By this measure, reckless decision, ungodly decision will in the long run are not helpful. But our Holy Church is here to helping, directing and guiding us from making serious mistake. The goal focused life is a short lived happiness; rather a value focus life is source of never ending happiness. When applying to your post-secondary education, your next job, your next summer trip, your vacation, your friend (s), your next partner in life, … ask the question: “what is my value?”

For the Young

and Young at Heart

Page 18: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

18 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

(...ካብ ገጽ 8 ዝቐጸለ) ንዘራረብ

1. ሞትን ሓዘንን፡ ሓደ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ወዲ-ሰብ፡ ይውለድ፡ ይዓቢ፡ ይመውት። ገለ ዝርኤ ይሓድግ፡ ገለ ጽቡቕ ታሪኽ ይሓድግ። ኣብ መወዳEታU ድማ ካብዛ ግዚያዊት ዓለም ብሞት ይፍለ። ድሕሪ ሞቱ፡ ብሃይማኖታዊ ስነ ስርዓት ይቕበር። ብድሕሪU Eውን ብቤተሰብ፡ ፈተውቲ፡ ማሕብረሰብ፡ ብቤተ ክህነት፡ ግቡE ስነ -ስርዓት ተገይሩሉ ሓዘን ይካየድ። ኣብ ዘሎናዮ ሃገር ናይ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ይግበር። ንመዋቲ መንግስተ ሰማይ የውርሶ፡ ንቤተሰብ ጽንዓት ይሃቦም ይበሃል። ከም ደቂ ሰባት መወትቲ ስለዝኾንና ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ ስደት ዓመታት ብዙሓት ካባና ብሞት ተፈልዮም። ምስ ብዝሕናን ምድፋE Eድሜናን፡ ሞት Eንዳወሰኸ Eዩ። ኤርትራውያን ብዛEባ ሞት ኪንዛረብ ንፍርሕ Iና። ከምቲ Eንፈልጦ ካናዳውያን ጌና ምስ ምሉE ደረጃ ጥEናOም ከለዉ፡ ብጽሑፍ ብደረጃ ጠበቓ ለበዋ ይሓድጉ። ንዘለዎም ናይ ገንዘብ፡ ንብረት፡ …ወዘተ መን ከም ዝወርሶ ይነግሩ። ምስ ሞቱ ናይ ሓዘንን ናይ ቀብርን ኣገባብ ከመይ ክኸውን ከምዝደልዩ፡ ቁጽሪ ሰባት ኣብ ቀብሮም ክርከቡ ዘለዎም ከይተረፈ ይገልጹ። ናይ ቀብርን ሓዘንን ዝኸውን Iንሹራንስ ብጊዜ ሂወቶም ከለዉ ኣትዮም Eውን ንቤተሰቦም ብጽሑፍ የመሓላልፉ። ንሕና ኸ ነዚ ነማልE ዶ ኣሎና? ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣሕዋትን ኣሓትን ደቅናን ካባና ብሞት ዝተፈለዩና ውሑዳት ኣይኮንንና። ድሕሪ ሞቶም Eውን መብዛሕታOም ኣብቲ ዚነብሩሉ ዝነበሩ ከተማታት ተቐቢሮም። ገለ’ውን ሬሳOም ናብ ሃገርና ኤርትራ ተሰዲዱ ኣብ ዓዶም ዝተቐብሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። Eዚ ምርጫ ናይ መዋትን ናይ ቤተሰብን Iዩ። ግን’ከ ብዝሒ ሞትና Eንዳወሰኸ ስለ ዝኸይድ ዘሎ፡ ማሕብረ ሰብና ንኣብነት ከም ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ኣካባቢ መቓብር (cemetery) ክኸውን ንዝምልከቶም ሓለፍቲ ከተማ ንኣብነት ተቐማጣይ ቶሮንቶ ዘሎ ኤርትራዊ Eንተዚብገሰሉን ዝማከረሉን ጽቡቕ ምኾነ Eብል። ብዓቢU ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ናይ ሂወት Iንሹራስ (life insurance) ኪህልዎ Eምሕጸን። Eዚ Eውን ንመቕበሪ ሬሳ ስለ ዝሕግዝ Eቲ ዝዋጻE ገንዘብ ንህልዋት ስድራ ቤት ሓገዝ ምኾነ። ቀንዲ ለበዋይ ግን፡ ካብ ካናዳ ወጻI ናይ ዝሞተ ቤተሰብና ሞት መርድE ምስ ዝርከብ ኣገባብ ሓዘንና፡ ገሌና ኣብ ውሽጥና፡ ማለት ኣብ ገዛE ርEስና ወይ ቤተሰብና፡ ገለ ድማ ብቕዳሴ ኣብ ቤተ ክርስትያን ወዘተ…ንገብሮ። Eዚ ኣገባብ ምስቲ ዘሎና ጊዜን ናብራ ሂወት ካናዳን ይዛመድን ይቃዶን ኣሎ ዶ? ክሕሰበሉን ብEኩብ ኪዝረበሉን ዘልዎ Iዩ።

2. ኣገባብ ጥምቀት ወዲ ሰብ ኣብ ዓለም ይውለድ፡ ኣብ ጊዜ ምውላዱ ንቤተሰብ፡ ወለዲ ሓጎስ፡ ይስምOም። በዓል ጥምቀት የካይዱ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ጥምቀት ቆልዓ ድሕሪ ኣብ ቤተክርስትያን ዝግበር ስነ ስርዓት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻIን ዝተፈላለዩ ስድራ ቤታት ከከም ዓቕሞም በዓላት የካይዱ። ኣብ ጥምቀት ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ብዙሕ ፈንጠዝያን፡ ብልጭልጭን ዘለዎ ኣገባብ ይርኤ። ድልየትን ወሳኔን ናይ በዓል ጉዳይ Eኳ Eንተኾነ፡ ንማሕበራዊ ሂወትና Eውን ዝምልከት Iዩ። ኣብ ካናዳ ወይ Eዘን ዝማEበላ ሃገራት ምEራብ ሓደ፡ ቆልዓ ወይ መንEሰይ ክሳብ 18 ወይ 21 ዓመት ዝገብር፡ ሽጋራን ኣልኮላዊ መሰተን ኪገዝE ኣይክEልን። ኣብ ቤት መስተን ምዝንጋEን መስተን ሽጋራን ዘለዎ ንኪኣቱ ብሕጊ ፍቑድ ኣይኮነን። Eዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ጌና Eሸል፣ ዘይበሰለ ሓንጎል ዘለዎን ብሱል ሰብ ስለ ዘይኮነ Iዩ።

(ናብ ገጽ 21 ይቕጽል....)

Page 19: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

19 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

(...continued from page 15)

Important facts:

1. Effective April 1st, the processing Centre

moved from Winnipeg to Ottawa. Make sure to

mail to the appropriate address.

2. Documents can be delivered by email from the refugee. There is no need of original signature.

3. Application can be sent by email to the pro-

cessing Centre.

4. A group leader is only for communication pur-

poses. All five have the same responsibility. Any-

one of the five can be a group leader as far as he/

she check his/her emails.

5. It is absolute necessity that each group member

put an email address in the application.

6. It is illegal to do sponsorship of refugees by

paying money. People should not be confused be-

tween a deposit and payment. Many organizations

request a deposit from the sponsor which will be

returned fully to the sponsor after one year of the

refugee’s arrival. This is needed in order to avoid

the refugees from going to social assistance before

they reside one year in Canada.

7. This year SAH (the organizations got a very

limited number of spaces to sponsor refugees and

consequently many of them gave priority for the

sponsors who applied in 2015.

8. Our church, Kidane Mehret at St Nicholas Church, does not sponsor refugees. The sponsoring organization for the Archdiocese of Toronto is ORAT. When ORAT has spaces, they receive applications from the sponsors and ask them to find a church to sign the documents. There are more than 200 Catholic churches in Toronto and our church is the only one willing to sign. Therefore our church is only a Resettlement group under ORAT. The church does not decide who to be sponsored or cannot give orders to ORAT except having a good working relation.

* * *

ኑዛዜ ናይ Eምነት ስጉምቲ

“ኣብ’ዚ ጊዜና። ንሓደ ግዙፍ ‘ሱናሚ’ ዚመስል ‘መንፈሳዊ ሱናሚ’። ኣብ ውሽጢ ኣልባብ ደቂ ሰባት ተኸሲቱ ይርከብ ኣሎ፣ Eዚ ነውጺ’ዚ በቲ ኅሊና ደቂ ሰባት ትርጉም Eናሰኣነ ዝኸይድ ዘሎ “ዝተፈላለየ ኃጢኣት” ዝኽሰት ዘሎ’ዩ፣ ሐደ ካብ ዓመተ Eምነት ኣባና ገዲፍዎ ክሓልፍ ዝግብO ዘይሃስስ ምልክት Eምበኣር። ስንብራት ፍቕሪ ዝውታረ ‘ምሥጢረ ንስሓ’ ክኸውን ይግባE፣ ምሥጢረ ንስሓ። 1ይ ጀረጃ ጉEዞ Eምነት ኩይኑ ነቲ በብEዋኑ። ብዝበልናዮ ‘መንፈሳዊ ሱናሚ`ዩ ካብ ኣልባብና ዚርሕቕ ጸጋ መቐረት ፍቕሪ ኣምላኽ። ከም Eንደገና። ናብ’ቲ ግቡE ቦታU ንመልሰሉ መጋበሪ’ዩ፣ ጠቕሚ ምሥጢረ ንስሓ። ምስ Eግዚኣብሔር ምስ ብጻይናን ይዓርቀና ብኃጢኣትና ከም EንEመን ይገብረና ንቅ.ቍርባን ብብቕዓት ክንቅበሎ የብቅዓና ኣብ ሕይወትና ህላዌ Eግዚኣብሔር ከምዝስምዓና ይገብር ንፈተና ዝኾነ ኃጢኣት ተቢEና ንቃወመሉ ጸጋ የውህበና ሓጐስን ሰላምን ልቢ ከም ነስተማቕር ይገብረና ኣብ ዝተፈላለየ ግብረ ጽድቂ ክንሳተፍ ወኒ የለዓEለልና ቅንI ሓዲሩና ክንሰብኽ ሓላፍነት የልብሰና”። ኣባ ክፍለIየሱስ ገ/ሥላሴ ዘማ.ን.ኣ.ካፑቺኒ

Page 20: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

20 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ፍቕሪ ኣምላኽ ንወዲ ሰብ መዓስ Iዩ ዝጀመረ ጩራ ጸሓይ ወርሒ ኮኾብ Eንከይተወርወረ ንፋስ ከይነፈሰ ማEበል ባሕሪ ከይተሰራሰረ ናቋ Eንስሳታት ከይተጋEረ መዝሙር ኣEዋፍ ከይተዘመረ ዓለም ብባዶነታ ሰማይን ምድርን ከይተፈጥረ ሽU’ ዩ ፍቕሪ ወድሰብ ኣብ ልቢ ኣምላኽ ዝጎሃረ።

ልቢ Eግዚኣብሄር ብፍቕርና መልAት ኣምላኽ ተበገሰ ንወፍሪ ናይ ፍጥረት መጀመርታ ሰርሐ መዓልቲ ምስ ጸልማት ቀጺሉ ኣቖመ ሰማይ ምስ ባሕርታት:: ንዓለም ገበረላ ኣትክልቲ ምስ መሬት ጸሓይ ወርሒ ከዋኽብቲ ተሰኹU ኣብ ጠፈር ሰማያት ሰማይ መልA በEዋፍ ባሕሪ ብዓሳታት ንመሬት ሽለማ ብበብዓይነቶም Eንስሳታት። ምድሪ ተሽሊማ ከም ውቅብቲ መርዓት ኣምላኽ ብተምሳሉ ፈጠሮ ንኣዳም ካብ Iምንት ሔዋን ውን ገበረሉ ትኾኖ ደጋፊት ብቃል ኪዳን ሓበሩ ኣብ ኤደን ኣብ ገነት። ብሓላፍነት ተሾሙ ኣብ ልEሊ ፍጥረታት ብዘይካ ሓንቲ , ኩሉ ተፈቕደሎም ክበልU ፍረታት ዘለኣለማውነት ተዋህቡ ዘይመውት ባህርያት ፈትዮም ንከፍቅሩ ተዋህቦም ናጽነት። ህያው ኣምላኽና ወድሰብ ክፈጥር መሰነይታ ደልዩ ኣይኮነን ጸግI ዝኾኖ ጎር ሓገዝ ኣይበሃገን ፍጥረት ኣብ ምምሕዳር ስግዳን ደልዩ ኣይኮነን ብኣና ክኸብር። ዓቕሙ ክፍትን ውን ኣይኮነን ክEለቱ ክምርምር ኣብቲ መንነት ስላሴ መለኮታዊ ምስጢር ከሳትፈና ዝመረጸ ብሓጎስ ክንነብር ፍቕሪ ጥራሕዩ ደሪኹዎ ህያው Eግዚኣብሔር። ወድሰብ ግን ሰሓተ ፈጸመ ውን ሓጥያት ባEሉ ብዝገበሮ ተጎልበበ ሕፍረት ኣብ ዘይመዓልU ምሰውዓሎ ህያብ ናይ ናጽነት ካብ ሽዓ ኣጥፍኣ ባህሪ ናይ ዘይሙሟት ንሱ’ ዩ ፋይድU ምኻን ናይ ሰይጣን ባሮት Eርቃንካ ኣውጺU ይገድፈካ ኣብ ጥሖት። Eዚ ምስሰምA ደኣ ኣምላኽ Eንታይ በለ ኣዳም ኣዳም Eናበለ ኣብ ገነት ኮለለ Eነሀኹ ሓፊረ ኣብዚ ተኸዊለ ንሳ’ ያ ሂባትኒ ተመን , ኣስሒቱኒ ምኽንያት ተደለ። ርሕሩሕ Eግዚኣብሔር ግን ብምሕረት ዝልለ መቕጻEትን ምሕረትን ብሓንሳብ ዓደለ Eግዚኣብሔር ምስ ኣዳም ቃል-ኪዳን ተኸለ ኣቦና ኣዳም ከኣ ተስፋ ምድሓን ተቐበለ ኣዳም ኣዳም መሬት Iኻ’ ሞ ክትምለስ Iኻ ናብ መሬት ርሂጽካ ደኺምካ ኣፍርዮም ፍረታት ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ Iየ ኣብ ዳሕራይ ዘመናት። ንምኻኑ ግን ሓጢኣት ኣዳም Eንታይ’ ዩ ኔሩ ፍረ Oም ምብላE ዲዩ ቃል ኣምላኽ ምስባሩ ንገነት ዘይምሕላዋ ዲዩ ኣዳልዩ በትሩ ኣይፋሉን ኣሕዋተይ ኪንዮU Iዩ ነገሩ ትEቢት ዩ ሓጥያቱ ማEረ ኣምላኽ ክኸውን ምምጥጣሩ። ኣብዚ’ ሞ መዓስ ኣብቂU ናይ ደቂ ሰብ ሓጢኣተ Eዛ ዓለም ብግስ ኣብ ዝበለትሉ Eንክትብል ታተ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ገና Eንከሎ ኣርባEተ ኣቤል ብቃኤል ሓዉ ተቐቲሉ ሞተ።

ድሒሩ ውን ወድ ሰብ ብዙሕ ሓጢኣት ሸመተ ሓጎሱ ደለዮ ካብ Eብዳን ዝሙተ ሂወቱ ጠቕሊሉ ኣብ ዝርጋን ሰረተ መጻIU ‘ውን ጋህዲ ኮነ ዘየድልዮ ኣመተ። ፍጥረቱ ክEዘብ ኣምላኽ ምስደነነ Eንትርፎ ኖህ ምስ ስድርU ጥUይ ሰብ ሰኣነ ምድሪ ንፋሳ ተበኪሉ ሓጢኣት ሓጢኣት ጨነ ብEብዳን ረሲሓ መልከዓ ተደወነ Eግዚኣብሔር ጎሃየ ኣምሪሩ ሓዘነ ንዓለም'ውን ብማይ ኣይሂ ክሓጽባ ወሰነ። ጋህ Iሎም ተኸፍቱ ናይ ሰማይ መናፊት መሬት ብምልEታ ብማይ ኣEለቕለቐት መርከብ ኖህ ተላIላ ኣብ ማይ ኣንሳፈፈት። ድሕሪ ‘ተን ነዋሕቲ 40 መዓልታት መርከብ ኖህ ኣEረፈት ኣብ Eምባ ኣራራት Eቲ ለዋህ ኣምላኽ ዘይውደO ምሕረት ኪዳን ኣተወልና ዋሕስ ዳግማይ ቅጽዓት ቀስተ-ደመና ገበረ ናይ ኪዳኑ ምልክት። ፈቃር ኣምላኽና ዘይድርቢ ካቲሙ ኣታ Eዞም ደቁ ክርሕቁ ክጠልሙ

ኣብ ዓዘቕቲ ሓጢኣት ኣትዮም ክሽመሙ ንሓድሕዶም ብጎነጽ ክላተሙ ናጻ ፍቕሪ Eግዚኣብሔር Eምቢ Iሎም ክሕሰሙ ንትምህርቲ ኣምላኽ ኣEዛኖም ከጽምሙ ንምኽሪ ሰይጣን ግን ሓንጎፋይ Iሎም ክቐስሙ ኣብ ፍቕሪ Eግዚኣብሄር ጸኒOም ከይቆሙ ምስ ዝነፈሰ Eምነት ክነፍሱ ምስ ዝኸደ ክልከሙ ኣብ ክንዲ ናብ ኣምላኽ ጸሎቶም ናብ ጣOት ክደግሙ ኣብ ክንዲ ናብ ሒያው ናብ ሓወልቲ ክፍገሙ ንሂወት ገዲፎም ኣብ ዘይምንባር ክሰጥሙ ኣምላኽና ግን ንምድሓን ዝርጉሕ’ ዩ ቅልጽሙ ምስ ኩሉ ሓጢኣትና ይፍጽም Eማሙ

የድሕነና ከኣ ስለ’ ቲ መሓሪ ስሙ። Eወ ከምዘይረኣይዎ ሓይሊ Eግዚኣብሔር ባሕሪ ኤርትራ ከምዘይተሳገሩ ብተኣምር መና ከምዘይተመገቡ ሰማያዊ ድራር ንኣምላኽ ከሓዱዎ ልባቶም ብምትራር መግዛEቲ ግብጺ ተመነዩ ባሮት ኴንካ ምንባር።

ኣቤት Eዚ ኣምላኽ ምሳና Eንተዝጸባጸብ Eወ Eዚ ሓጢኣትና ሓደ ብሓደ 'ተዝምዝገብ መንኮን ምተረኽበ ብዘይገለ መንቅብ።

ንለዋህ ኣምላኽናስ ዝመሳሰል የልቦን ብመስፈር ዘይስፈር ብኽብደት ዘይምዘን Aረ ካበይ ኮነልና ውሉዱ ንምዃን ፍቕሪ ኣምላኣኽ ፍሉይ’ ዩ ክትሓስቦ ዘይህቀን። ምሕረቱ ከብዝሓልና ኣምላኽ ምስመረጸ ብደም ክEድገና ናብዛ ዓለም መጸ ሰብኣዊ ባህሪU ገለጸ Iየሱስ ደም ምስረሃጸ ክቕበሎ ዝነበሮ ጽዋE ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ምስ ተቐርጸ ስለ ፍቕርና ግን ሂወቱ ደኣ ቀበጸ።

ተናIቑ ተጸሪፉ ብኹርማጅ ተሃሪሙ ኣደራE ጸጊቡ መከራ ሕሰሙ ትሕቲ ባርያ ተቖጺሩ ምስ’ዚ ኩሉ ዓቕሙ ስለ ፍቕሪ ወድ-ሰብ ግን ኣፍሰሰ ደኣ ደሙ ድሕነት ደቂ ኣዳም ኣብ Eንጸይቲ መስቀል ፈጺሙ።

ፍቕሪ Eግዚኣብሔር (ብበረኸት ተኽለማርያም)

Page 21: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

21 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

(….ካብ ገጽ 16 ዝቐጸለ) ንዘራረብ

ሓደ ሰብ ዋላ’ኳ ኣካላዊ Eቤቱ ምሉE Eንተኾነ፣ ሓንጎልና ምስ Eዚ ዘሎ ሓድሽ መጽናEቲ ሙሉE ስርሓቱ ዘስልጥ ድሕሪ Eስራን ሓሙሽተን ዓመታት Iዩ። ብባህልና ጽቡቕ ምስላ ኣሎ። “ልቢ ጎበዝ ኣብ ደረቱ”። ቆልUን Eሸላት ሕጻናትን መንEሰያትን ዘለውዎ ጥምቀት፣ ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕ ጽቡቕ ኣብነት ኣይኮነን። ቢራን፣ ዊስኪን ዝኣመሰለ ኣብ ገሊU ውራያት ከም ማይ ኪቕዳሕ ከም ልሙድ Eንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ። መንEሰያትና ኣብ ጊዜ ንEስነቶም ናይ ትምህርትን ጽቡቕ ስነ-ምግባርን ንክህልዎም፣ ወለድን ዓበይትን ኣብነት ኪንኮኖም ይግባE። ስለዚ ኣብ ማሕበራዊ በዓላትናን ምትEኽኻባትናን ዓቐን ዘለዎ መስተ፣ ጉድኣት ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን ንኪፈልጡ ምምሃርን ምምዓድን ጽቡቕ Iዩ። በዓቢU ግን ኣብ ጊዜ ጥምቀት ሕጻናትን፣ ቖልUን ኣብ ዝEከቡሉ፣ ኣልኮላዊ መስተ ብቕሉE ምቕዳሑን ምስታዩን ኣይግድን። ምEቡል ሕብረተ-ሰብ ካናዳን ሕግታት ካናዳን ድሕሪ ብዙሕ ሳይንሳዊ ሕክምናውን መጽናEቲ Iዩ፣ ናይ 18ን 21ን ጽኑE ሕግታት ዘውጽኤን ትሕቲ Eድመ ሰባት ኣብ ኣብያተ መስተን ከይኣትዉን፣ ሽጋራን መስተን ከይገዝUን ዝወሰነ። ንሕና ኤርትራውያን ከ ኣብ በዓላትናን ውራያትናን ነዚ ሕጊ’ዚ ነኽብሮ ኣሎናዶ? ኣይመስለንን። ጽልዋታት ናይ’ዚ ኣካይዳን ተግባርን ኣብ ልEሊ ቆልUናን መንEሰያትናን ኣብዘን ዝሓለፋ ልEሊ 30 ዓመታት ክንደይ Iዩ? ብመጽናEቲ ዝተኻየደ ጽጹይ ጸብጻብ Eኳ Eንተዘየለ፣ ብሓፈሻ ንገለ ጠባያት ናይ መስተን ድራግን መንEሰያትን ንፈልጦ Iና። ኣብ መወዳEታ፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 52 ስሙናት ኣለዋ፣ ምስቲ ናይ ሰንበት ሰሙናዊ ቅዳሴ ንኸዶ፣ ከምU’ውን Eቶም ቆልU ዘሎና ናይ ቀዳም ናይ ትግርኛ ቤት ትምህርቲ፣ደቅና ሒዝና ነምህርን ነቶም ኣገልግሎት ዝህቡ መማህራንን ሓለፍትን ሓዊስካ፣ ኣየናይ መዓልቲ ነEርፍን ንዘናጋEን? ብዓቢU ምስቲ ዝገለጽኩዎ መብዛሕቲU ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝካየድ ወራያትከ ከመይ ኣሎና? ኣብ ዝግበር ውራያት መስተ፣ ወይ ሽጋራ ኣይሰተ ይብል የለኹን። ግን’ከ ጥቕሙን ጉድኣቱን ነመዛዝን። ብብዝሒ ምዝውታሩ ንጥEናና ኮነ ንቑጠባና ጎዳI ምዃኑ ዘካትE ኣይኮነን። ጽልዋU ድማ ንቖልUት፣ ሕጻናትን መንEሰያትን ጎዳI Iዩ። ንሎሚ ንዓምዲ “ንዘራረብ” ዘዳለኹዎ ኣብዚ ይውድE። ብኻልE ኣርEሰቲ ክሳብ ንራኸብ “ወድ ሓንኩም” ሰላም ቅነ።

ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር

* * * ጉEዞ Eምነት መንፈሳዊ ጉEዞ ብሕጻናት። ናኣሽቱ ብመን ፈጠረና ይጅመሩ። ቀጺሎም ቅ. ቁርባን ፡ ሜሮን ይቕበሉ። ትምህርቲ ክርስቶስን መዝሙርን ከኣ ይቅጽል። ኣብዚ ጉEዞ`ዚ ግና ፍልጠት ጥራሕ ዘይኮነ Eቲ Eምነት Eውን ክዓቢ ኣለዎ። Eቲ ኣብ ጥምቀትና ዝተዘርA Eምነት ምስ ዓበና ናትና ክንገብሮ፡ ነቲ ወለድና ኣቦ/Eኖ ልገ (ብልግነት) ዝበልዎ ነቲ ክፋE “Eኽሕድ” ንኣምላኽ “Eኣምን” ባEልና ክንብል ኣሎና። ጥርጥር ኣወጊድና ከም ቶማስ ሓዋርያ “ጎይታይን ኣምላኸይን” ክንብል ምስ ቅ.ጳውሎስ ኮይንና ከኣ “Eምነተይ ኣብ መን ኣውዲቐዮ ከምዘለኹ ስለ ዝፈልጥ ኣይሓፍርን`የ” (2 ጢሞ 1፡ 12) ክንብል ይግባE። ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም

Page 22: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

22 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ቀዋሚ መደባት ቤተክርስትያን ኪዳነምሕረት ቶሮንቶ

ቅዳሴ ሰንበት ግEዝ/ትግርኛ 12:00ቀትሪ Eንግሊዚኛ (ቀዳመይቲ ሰንበት ወርሒ) ሚሥጢረ ኑዛዜ Confession ቀዳም (Sat) 5:30 - 6:30 ድ. ቀ. ሚሥጢረ ጥምቀት Baptism ቀዳመይቲ ቀዳም ወርሒ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምኅባር የድሊ መሰናደዊ ትምህርቲ ኣብ 3ይቲ ዓርቢ ናይ ወርሒ። ሚሥጢረ ተኽሊል (ቃል ኪዳን) ቅድሚ ሓደ ዓመት ምሕባር የድሊ። ፍሉይ ትምህርቲ ምውሳድ ግድን Iዩ። ምዝገባ ኣባልነት ኣብ ቤተክርስትያን ምEመናን መርዓ: ጥምቀት ወይ ዝኾነ ካልE ኣገልግሎት ኪረኽቡ፣ ተመዝጊቦም ኪጸንሑ ኣለዎም። ናይ ምዝገባ ቅጥEታት ካብ ካህን ወይ ካብ ሽማግለታት ቤተክርስትያን ኪርከብ ይከኣል። ካህን: ኣባ ተኽለማርያም ሃብተማርያም Chaplain: Fr. Teklemariam H/Mariam 416-653-2847 ኣባላት ቤት ምኽሪ ሽማለታት Pastoral Council: ገዳም ዘርEሰናይ Gedam Tesfay ከመት ባህልቢ Kemet Bahlibi ዮሴፍ ክፍሉ Yosief Kiflu ቦኽረ ቀለታ Bokre Keleta ጸሃይ ኣስፍሃ Tsehay Asfaha ዳንኤል Iዮባን Daniel Iyoban ዳዊት ግርማይ Dawit Ghirmay ግንቦት ተስፋሚካኤል Genbot Tmichael

“ብርሃን ቶሮንቶ” ኣብ ዓመት ኣርባEተ ግዜ ትሕተም ጥሪ:ሚያዝያ:ሓምለ:ጥቅምቲ Quarterly newsletter for Eritrean Catholic Chaplaincy in Toronto January, April, July, October ዋና ኣሰናዳዊ (Chief Editor) ኣሮን ገብረሕይወት፥ Aaron Ghebrehiwet ጸሓፍቲ Columnists: ዘርኣይ ተኽለማርያም፥ Zeray Teklemariam ዓንደማርያም ተስፋይ፥ Andemariam Tesfai ባህልቢ ተኽለ Bahlibi Tekle ዮውሃንስ ፈርዲናንዶ ድራር Yohannes F. Drar ኣቤል ገብረየሱስ በረኸት ተኽለማርያም

ብዛEባ ኣብዚ መጽሔት ዝወጹ ጽሑፋት ዘሎኩም ርEይቶን ሕቶን ወይ ከኣ ጠቓሚ ጽሑፍ ወይ ናይ ትካል መፋለጢ፣ በዚ ዝስEብ መንገዲ ምልኣኽ ይከኣል። Letters to the editor or articles can be sent to: e-mail: [email protected] Telephone: 647-991-7065 416-653-2847 Website: www.kidanemhret.com

መዘኻኸሪ ኣብዚ መጽሔት ዝወጹ ጽሑፋት ናይ ደረስቶም ብሕታዊ ርEይቶን ሓላፍነትን ደኣ’ምበር፣ ናይ ቤተክርስትያንና መርገጺ ከም ዘየንጸባርቑ ኣቐዲምና ንሕብር።

ንኣንበብቲ መጽሔት “ብርሃን ቶሮንቶ” ካብዚ ሕታም ጀሚራ ክልተ ሓደስቲ ዓምድታት ከምዝወሰኸት ንሕብር፣።

1. ዓምዲ ንዘራረብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊን ማሕበራውን ጉዳያት ልዝብን፣ ምኽርን ክትEን ዝካየደሉ Iዩ። ምሉE ናይ ኣንበብቲ ተሳትፎ ይሓትት።

2. ዓምዲ “ሌላ ምስ ሰበኻታት ኤርትራ፣ ኣብ ሃገርና ኤርትራ

ንዘለዋ ሰበኻታትን ኣብ ትሕቲኤን ንዝመሓደራ ኣብያተ ክርስትያናትን ዘላሊ Iዩ።

ጽቡቕ ንባብ ኣዳላዊ መጽሔት

Page 23: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

23 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ወልደየሱስ Uቕባይ Woldeyesus Ugbay

Kitchener, Ontario. Canada [email protected]

Tel: 226-339-5411

ለቲና ከፈል Letina Kafel

Kitchener, Ontario. Canada [email protected]

Tel: 226-647-1585

Dghe Inc. sells Eritrean and Ethiopian cloth-ing, jewellery, bedding & couch covers ( upon re-quest). We sell various items when requested and if they’re available. We also do money transfers to all of East Afri-ca. If you ‘re interested in our services, please contact us at the address below:

THANK YOU

ናይ ኤርትራን Iትዮጵያን ባህላዊ ክዳውንትን፣ ስልማትን፣ ናይ ዓራትን መናብርን መሸፈኒ ኣጭርቕትን ካልE ተመሳሳሊ ኣቑሑትን፣ ብጠለብ ነከፋፍል። ብዘይካ’ዚ ድማ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ገንዘብ ናይ ምልኣኽ ኣገልግሎት ንህብ። ድልየትኩም ንምርዋይ ቅሩባት Iና። ደውሉልና።

Page 24: Tigrigna · 2017. 10. 24. · ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017 ድምጺ ቍምስና ካቶሊካውያን ኤርትራውያን ኣብ ቶሮንቶን

24 ብርሃን ቶሮንቶ Birhan Toronto ሚያዝያ April 2017

ERITREAN CHAPLAINCY PLANNER APRIL - JUNE 2017

Unless indicated, all dates are Sunday.

April 2 Mass in English Stations of the cross General meeting of Chaplaincy memebers 9 Palm Sunday 13 (Thu) Holy Thursday: washing of feet 7:00 PM 14 (Fri) Good Friday prayers starts 9:00 AM 15 (Sat) Easter Mass 8:00 PM 16 Easter (No Mass) 23 Meet new comers to our Chaplaincy 30 Monthly memorial Mass. Seminar on Mental health issues & resettlement needs

May 6 (Sat) Annual feast St. Joseph Church, Kitchener. 7 Mass in English Medhanie Alem Feast 14 Mothers’ Day 24 (Wed) Ertirean Independence Day 28 Monthly memorial Mass

June 4 Mass in English 10 (Sat) Tigrigna School year end closing ceremony 18 Fathers’ Day 20 (Tue) Eritrean Martyrs’ Day 25 St. Justin Jacob’s memorial Mass

ብፍሉይ Eንተዘይተጠቒሱ ኩሉ Eለታት ሰንበት Iዩ።

ሚያዝያ 2 ቅዳሴ ብቋንቋ Eንግሊዝ ፍኖተ መስቀል ሓፈሻዊ ኣኼብ ቁምስና 9 ሆሣEና 13 (ሓሙስ) ሕጽበተ Eግር ሰዓት 7:00 ምሸት 14 (ዓርቢ) ናይ ዓርቢ ስቕለት ስግደት ካብ ሰዓት 9:00 ንግሆ 15 (ቀዳም) ናይ ትንሣኤ ቅዳሴ ሰዓት 8:00 ምሸት 16 ትንሣኤ ቅዳሴ የልቦን 23 ዳግማይ ትንሣኤ ሌላ ምስ ሓደስቲ ኣባላት ቤተክርስትያን 30 ወርሓዊ ቅዳሴ ምውታን ሰሚናር፣ ጥEና ኣEምሮን ናብራ ስደትን

ግንቦት 6 (ቀዳም) ንግደት ናይ ቤተክርስትያን ቅዱስ ዮሴፍ ኪችነር 7 ቅዳሴ ብEንግሊዘኛ ንግደት ቤተ ክርስትያን Oርቶዶክስ መድኃኔ ዓለም 14 መዓልቲ ኣዴታት 24 (ረቡE) በዓል ናጽነት ኤርትራ 28 ወርሓዊ ቅዳሴ ምውታን

ሰነ 4 ቅዳሴ ብEንግሊዘኛ 10 መEጸዊ ዓመተ ትምህርቲ ቤት ትምህርቲ ትግርኛ 18 መዓልቲ ኣቦታት 20 (ሰሉስ) መዓልቲ ሰማEታት ኤርትራ 25 ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ኣቡነ ያEቆብ

መደባት ቤተክርስትያን ሚያዝያ - ሰነ 2017

ናይ ቤተክርስትያንና ቀጻሊ መደብ ድራር ንቀዳም ሰነ (June) 17, 2017 ሰዓት 6:00 ምሸት

ኪካየድ ተመዲቡ ኣሎ። ኩሉ ንEቤት ቤተክርስትያን ዝግደስ ሰብ ክካፈል ድማ ትጽቢት ይግበር።

ዋጋ ቲኬት $25.00 ንሓደ ሰብ። ሎተሪን ጨረታን ክህልወና Iዩ። ናይ ገንዘብን ንዋትን ሓገዝ ንቕበል።

Our Church’s next fundraising dinner is scheduled for

(June) 17, 2017 at 6:00 PM. We are accepting donations and there will be Lottery and auction.

Tickets are $25.00 per person